ነዚ ምኽርታት ብምክትታል፣ ነብስኻ/ኺ ካብ ተላባዒ ሕማም ትከላኸል።
ዝቀለለን ኣድማዕን መገዲ ካብ ተላባዒ ሕማም ንምጥንቃቅ የእዳውካ ቀጻሊ ብ ሳሙና ምሕጻብ እዩ። ኩሉ ግዜ ቅድሚ ሽንት ቤት ምጥቃምን፣ ቅድሚ ምብላዕን የእዳውካ ሕጸብ።
ቀጻሊ ነብስካ/ኪ ተሓጸብ፣ ከምኡ ድማ ሰለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ኣስናን ይተሓጸብ።
ስሩዕ ኣካልዊ ጽሬት ካብ ሕማም ይከላኸል። ኣብ ግዜ ቃንዛ ስኒ ንወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ተወከስ።
ብ ኽታበት ቡዙሕ ሕማማት ይውገድ። ዝበዝሐ ሰብ ሰብ እንተተኸቲቡ፣ ዉሑድ ሰብ ይሓምም።
ሰበ ስልጣን ስዊስ ክታበት የተባብዑ ነዚ ዝስዕብ
ናብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ከድካ/ኪ ሓገዝ ሕተት/ቲ።
ብዘይካ አይድስ ቡዙሕ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማም ኣሎ። ዝበለትጸ መገዲ ንነብስካ ትከላኸል ኣብ ግዜ ስጋዊ ርክብ ብኮንዶም ኢዩ። ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኮንዶምውን ኣሎ።
ኮንዶም ኣብዚ ሕክምና ማአከል ይወሃብ ኢዩ፣ ከምኡውን ኣት ፋርማሲን ዱኳንን ክግዛእ ይከኣል።
ዘይንጹህ ስሪንጋ ምስ ትጥቀም፣ ብደም ዝመሓላለፍ ሕማም ከጥቀዓካ/ኪ ይኽእል። ኩሉ ግዜ ጹሩይን ሓዲስን ስሪንጋ ተጠቀም።
እንድሕር ጠኒስኪ ን ኣገልግሎት ሕክምና ሓብርዮም። እንታይ ከም ዘድሊ ንዓኺ፣ ንጥዕና ናትኪን ናይ ዉሉድኪን ከማኽሩኺ እዮም፣ ምስ ኪኢላ ድማ ቆጸራ ክሕዙልኪ ኢዮም።
ቀጻሊ ን ደቅኺ ናብ ሕክምና ውሰዲዮም ምእንቲ ናይ ጥዕና ምክትታል ክግበረሎም። ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ምእላይን ምንባይን ደቅኺ/ኻ ክተሓባበሩኺ ኢዮም። ብከምዚ መገዲ እቶም ቆልዑት ጥዕኖኦም ይሕለወሎምን ብጽቡቅ ድማ ይዓብዩ።