ብዝኾነ ሕዱር ሕማም ንነዊሕ ክትሳቀ ጸኒሕካ/ኪ ዲካ/ኪ? ቀጻሊ መድሃኒት ትወስድ ዲካ/ኪ? ኣብ ሃገርካ/ኪ ወይ ኣብ መገሻ ክንክን ሕክምና ተካይብ ነርካ/ኪ ዲካ/ኪ?
ሕማማት ከም ጅግል፣ ፍንጣጣ፣ ሀርፐስ፣ ክላሚድያ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ እዮም። ሳዕበናት ከም ፈሳሲ ምፍሳስ፣ ሳሓ፣ ሕበጥ፣ ነድሪ፣ ቃንዛ ኣብ ናይ ብልዕቲ ኣካላት እዩ። ብዘይ ምልክት ውን ክትቅዘፍ ተኽእሎ ኣሎ።
ንነብስኻ ተኸላኸል ካብ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት፦ ኣብ ግዜ ስጋዊ ርክብ ኩሉ ግዜ ኮንዶም ተጠቀም። ኣብዚ ማእከል ሕክምና ክትረኽቦ ትኽእል፣ ወይ ኣብ ፋርማሲ፣ ወይ ኣብ ዱኳናት።
ምልክት ናይ ብ ስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማታ እንተለካ/ኪ ናብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ተወከስ።
እንድሕር ድሕሪ ስጋዊ ርክብ ብዘይ ኮንዶም፣ ብዛዕባ ሕማም ትጠራጠር ኮይንካ/ኪ፡ ካብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ሓገዝ ጠይቅ/ቂ። ስጋብ ምልክታት ዝመጹ ኣይትጸበይ።
HIV ንኣክላት ዘዳኽም ህዋስ/ቫይረስ እዩ። ተሰካሚ ናይቲ ሕማም ክትኮውን ትክእል ኢኻ/ኺ ብዘይ ዝኮነ ተርእዮታት ወይ ምልክት። እንድሕር መድሃኒት ዘይተወሲዱ፣ እካላት ብጣዕሚ ይደክምን ናብ ሕማም ይቃላዕ። ድሕሪኡ አይድስ ይበሃል።
እዚ ሕማም ብደም፣ ብስጋዊ ርክብ ብዘይ ኮንዶም፣ ብዘይ ነጽሀ ስሪንጋ ምጥቃም፣ ወይ ድማ ካብ ከርሲ ኣደ ናብ ዘይተወልደ ህጻን ይመሓላለፍ። ተሰካሚ እቲ ሕማም እንድሕር ኮይንካ፣ ዋላ ምልክት ኣይረአ፣ ንካልኦት ሰባት ክትልብድ ትኽእል ኢኻ/ኺ።
ን HIV/አይድስ መድሃኒት የልቦን። ግና፣ መድሃኒታት ኣሎ ነቲ ህዋስ መቆጻጸሪን፡ ሳዕቤናቱ ንምጉዳልን።
ነብስካ/ኪ ተኸላኸል ካብ HIV/አይድስ፦ ኣብ ግዜ ስጋዊ ርክብ ኩሉ ግዜ ኮንዶም ተጠቀም። ኣብዚ ማእከል ሕክምና ክትረኽቦ ትኽእል፣ ወይ ኣብ ፋርማሲ፣ ወይ ኣብ ዱኳናት።
ኩሉ ግዜ ጽሩይ፣ ዝመኸነ ስሪንጋ ተጠቀም ኣብ ግዜ ውሽጠ ቨይናዊ ጥቅሚ፣ ምእንታን ካብ ረኽሲ ክትከላኸል/ሊ።
እንድሕር ድሕሪ ስጋዊ ርክብ ብዘይ ኮንዶም፣ ብዛዕባ ሕማም ትጠራጠር ኮይንካ/ኪ፡ ካብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ሓገዝ ጠይቅ/ቂ። ስጋብ ምልክታት ዝመጹ ኣይትጸበይ።
ከቢድ ተመኩሮን ግፍዒን - ከም ንኣብነት ኩናት፣ ስደት፣ ስቅያት፣ ዓመጽ -እዚ ኩሉ ናብ ኣካልዊ ወይ ስነ ኣእምሮኣዊ ሕማማት ከስዕብ ይኽእል እዩ። ከቢድ ኣልኮል ምስታይ ወይ ወልፊ ዕጸ ፋርስ ምስኡ ዝተሓሓዝ ክኾውን ይኽእል።
ቡዙሓት ተሳቀይቲ ብዛዕባ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸገም ክዛረቡ ይኸብዶም። ኣገዳሲ እዩ ክትግደሰሎምን ከም ካልኦት ድማ ክንክን ክረኽቡን።
ክውን ምልክታት ናይ ስነ ኣእምሮኣዊ ጸገማት ከም ንነዊሕ ግዜ ቡዙሕ ዘይምድቃስ፣ ምብህራር፣ ዘይተገልጸ ቃንዛ ወይ ድማ ዘይምምቻእ።
ስነ ኣእምሮኣዊ ስቅያት ክፍወስ ይከኣል። ንወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ተወከስ።
ዲፍተርያ (ተመሓላላፊ ሕማም ጎሮሮ) ሕማም ናይቲ ላዕለዋይ መስተአንፈሲ ኣካል ወይ ቆርቦት እዩ። ክልተ ዓይነት ዲፍተርያ ኣሎ፥ ናይ ጎሮሮ ወይ ናይ ቆርቦት።
ኣብ ናይ ቆርቦት ዲፍተርያ እቶም ዝሓመሙ ብ ሕበጥ ጎሮሮ፣ ረስኒ፣ ቃንዛ ክውሕጡ ከለዉ ይሳቀዩ። ኣብ ናይ ቆርቦት ዲፍተርያ ቀልጢፉ ዘይሓዊ ቁስሊ ቆርቦት ኢዩ እቲ ምልክት። ካብ ዲፍተርያ ነብስኻ/ኺ ብኽታበት ክትከላኸል ይከኣል።
ከም ኣጋጣሚ ንስኻ/ኺ ወይ ውላድካ/ኪ ምልክት ዲፍተርያ ምስ ዝህሉ ናብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ተወከስ።
ዲፍተርያ ደይሓዘካ/ኪ እንተኮይኑ፣ ተኸተብ/ቢ። ንወሃብቲ ኣገልግሎት ጥዕና ተወከስ።